ትማሊ 12 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡብን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 19 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብ’ዚኦም፡ 14 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 13 ኣብ ኣዲባራ፡ ሓደ ድማ ኣብ ኣቑርደት ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

ዝተረፉ፡ 4 ካብ መወሸቢ ማእከል መንደፈራ – ዞባ ደቡብ፡ ሓደ ከኣ ካብ መወሸቢ ማእከል ኣስመራ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 30 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 3466 በጺሑ ኣሎ። 3196 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 260 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 12 ሚያዝያ 2021

Categories