ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 2ይ ደረጃ፡ ትማሊ 12 ሚያዝያ ኣብ መላእ ሃገር ተጀሚሩ።

እዚ ክሳብ 17 ሚያዝያ ዝካየድን 12 ዓውደ-ትምህርቲ ዘጠቓልልን ሃገራዊ መርመራ፡ ኣብ 8 ነቑጣታት – ሳዋ፡ ኣስመራ፡ ዓሰብ፡ ዓላ፡ ደቀምሓረ፡ ሓጋዝ፡ ማይሓባርን ናቕፋን እዩ ክወሃብ ጀሚሩ ዘሎ።

88 ሚእታዊት ካብ ተሳተፍቲ፡ ኣብ ሳዋ ዝርከቡ ኣባላት 34 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ – ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ፡ ኣስታት 14 ሽሕ ተመሃሮ ይሳተፉ ኣለዉ፣ 47 ሚእታዊት ካብኦም ደቂኣንስትዮ እየን።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጅዳን ሪያድን – ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝወሃብ ዝነበረ ፈተና፡ ለበዳ ‘ኮቪድ-19’ ንምግታእ መንግስቲ ስዑድያ ብዘውጸኦ ቅጥዕታት፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተወንዚፉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

Categories