ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብመልክዕ ክረምታዊ ሕርሻ ካብ ዝተዘርአ፡ ኣብ ኣስታት 200 ሽሕ ሄክታር ብዝተኻየደ ቅምሶኣዊ ገምጋም፡ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ኲንታል ከምእተሓፍሰ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን ሓቢሩ።

ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቶ ኣቡበከር፡ ኣብ ናይ ሎም-ዘበን ክራማት፡ ዝሓሸ ዓቐንን ዝርግሐን ዝናብ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራሕ ዝተደረተ ምንባሩ፣ ደንጉዩ ጀሚሩ ቀልጢፉ ብምቁራጹ ድማ ንምህርቲ ብኣሉታ ከምዝጸለዎ ብምጥቃስ፡ ኣብተን ዝሰፍሐ ክረምታዊ ሕርሻ ዝካየደለን ንኡስ ዞባታት ጎልጅ፡ ላዕላይ-ጋሽን ክፋል ንኡስ ዞባ ሻምብቆን ግና ጽቡቕ ምህርቲ ከምእተረኽበ ኣብሪሁ።

ንኩነታት ማሕረስ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቶ ኣቡበከር፡ ሓረስቶት ብናይ መንግስትን ግልን ትራክተራትን ያታዊ ኣገባብ ማሕረስን ተደጊፎም ዝናብ ክወቅዕ ምስ ጀመረ ብኣድማዕነት ስለዝሓረሱ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ’ቲ ክሕረስ ዝተወጠነ መሬት ከምእተሓርሰ፣ 97 ሚእታዊት ኣእካል ዝተረፈ ስምስም ከምእተዘርአ ድማ ኣነጺሩ።

ሳዕርን መግሃጫታትን ጽቡቕ ከምዝሰሰነ፣ ሓረስቶት’ውን ጽቡቕ ባህሊ ምጥርናፍ ተረፍ ምህርቲ ስለዘማዕበሉ ንቐለብ እንስሳ ብዝምልከት ዘሰክፍ ኩነታት ከምዘየለ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣቡበከር፡ ኩለን ራህያታትን ዲጋታትን’ውን ዝኣክል ማይ ከዚነን ከም ዘለዋ ኣነጺሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን ኣብ መወዳእታ፡ ሓረስቶት ኣቐዲሞም ከካይድዎ ዝግብኦም ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብግቡእ ስለዘየካይድዎ፡ እቲ ዝርካቡ ዝናብ ኣብ ሕርሻታት ተሰትዩ ክንዲ ዝተርፍ ፍርያም ሓመድ ተሰኪሙ ናብ ሩባታት ይጽንበር ከምዘሎ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ትሕዝቶ ሓመድ ይደኪ እቶት’ውን የንቈልቊል ብምህላዉ፡ ሓረስቶት ከሎ ገና ኣብ ሕርሻታቶም ዘድሊ ቅድመ-ምድላዋት ክገብሩ ጸዊዑ።

Categories