ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ማዕከን መኸተ ኮቪድ-19 ንምስሳን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ካናዳ ከምዘወፈዩ፡ ቤት-ጽሕፈት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ዝተጀመረ ወፈያታት፡ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ንምብጻሕ ዝዓለመ’ኳ እንተነበረ፡ ዜጋታት ብዘርኣይዎ ንጡፍ ተሳትፎ፡ ክሳብ ዕለት 20 ታሕሳስ ብጠቕላላ ሓደ ሚልዮንን 43 ሽሕን 110 ዶላር ካናዳ ከምእተዋጽአ፡ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣባይቲ ዝውንኑ ነበርቲ ካናዳ፡ ን54 ስድራ-ቤታት ካብ 2 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ሕድገት ክራይ ገይሮም።

Categories