ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ቡያ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ዜጋታት ውሑስ፡ ስሉጥን ዝተማልአን ኣገልግሎት ጥዕና ንክረኽቡ ጻዕሪታት ይካየድ ኣሎ።

ሓላፊ መደበር ጥዕና ቡያ ነርስ መሓመድስዒድ ነጋሽ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሳላ’ቲ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎታትን ናይ ምብራኽ ንቕሓት ንጥፈታትን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝኽሰት ዝነበረ ሕማማት ከምእተወገደ፣ ብፍላይ ድማ ኣደታት ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ብደገፍ በዓል-ሞያ ይገላገላ ስለዘለዋ ጥዕናአንን ጥዕና ዕሸላተንን ውሑስ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነበርቲ  ዝሰርሕዎ መጸበዪ ነፍሰ-ጾራት መርኣያ ናይቲ ሰሪጹ ዘሎ ንቕሓት ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ዝውቱር ዝነበረ ጎዳእቲ ልምድታት እናተወገደ ምምጽኡ፡ ካብ’ቲ ዝተመዝገበ ዓበይቲ ዓወታት ምዃኑ ዝሓበረት ነርስ ዓሻ ማሕሙድ ብወገና፡ ቍጽሪ ናብ ትካላት ጥዕና ዝመጹ ዜጋታት ብሓፍሻ ናይ ነፍሰ-ጾራት ድማ ብፍላይ እናዓብየ ይመጽእ ከምዘሎ ሓቢራ።

ተገልገልቲ ብግደኦም፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሰኣን ቅልጡፍ ረድኤት ህይወታ እትስእና ነፍሰ-ጾር ወይ ሓራስ ከምዘየላ ብምጥቃስ፡ ናብ ነበርቲ ብሓፈሻ ኣዴታት ኸኣ ብቐንዱ ዝቐንዐ ኣስተምህሮታት ውጽኢታዊ ስለዝኾነ፡ ክቕጽል ተላብዮም።

መደበር ጥዕና ቡያ፡ ክንክን ቅድምን ድሕርን ሕርሲ፡ ክትትል ዕብየት ህጻናት፡ ክትትል ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት፡ ክታበት፡ ወለንታዊ መርመራ ኤች.ኣይ.ቪ፡ ምክልኻል ሕማም ዓሶን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን፡ ከም ኡ’ውን ምክትታል ከባብያዊ ጽርየት ዘጠቓልል ጥዕናዊ ኣገልግሎታት ትህብ።

Categories