ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወ/ሮ ኣስመረት ኣብርሃ፡ ገስጋስ ናይቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ቅሮራ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድማ ብፍላይ ንምዕዛብ ዑደት ኣብ ዝገበረትሉ፡ ብዛዕባ ብቕዓቱ፡ ኣሳልጦኡን ጽልዋኡን ምስ ሓለፍቲ ኣተግበርቲ ትካላት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ወከልቲ ህዝብን ዘትያ።

ምምሕዳራት ከባቢ ግራት፡ እማህሚመ፡ ኣራግን ሓሊበትን ዝበጽሐት ወ/ሮ ኣስመረት፡ ኩነታት ናይተን ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ ትካላት ትምህርቲን ጥዕናን ብምብጻሕ፡ ዘለወን ሕጽረታት ንምምላእ፡ ምምሕዳር ዞባ ዓቢ ቈላሕታ ሂቡ ከምዝሰርሓሉ ኣረጋጊጻ።

ህዝቢ ተጠቃማይ ናይቲ ዝተዋደደ ትካላት ብምዃን ኣብ ምዕባለ ከባቢኡ ኣበርክቶ ንኽገብር፡ ካብ ሰብኽ-ሳግማዊ መነባብሮ ተገላጊሉ ኣብ ማእከላይ ቦታ ክጥርነፍ ዝተጀመረ መደብ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ብምዝኽኻር ድማ፡ ቀንዲ ጸገም ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኮይኑ ዘሎ ቀረብ ዝስተ ማይን ኣገልግሎት መጐዓዝያን ንምቅላል፡ ግብራዊ ስጒምቲ ከምዝውሰድ ኣነጺራ።

ወከልቲ ህዝቢ ንኡስ ዞባ ቅሮራ ብወገኖም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተዘርጊሑ ዘሎ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም እፎይታ ከምዝፈጠረ ብምጥቃስ፡ ክሳብ ሓሙሻይ ክፍሊ ዘሎ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብፍላይ ኣብ ደቂኣንስትዮ ጠንቂ ምቊራጽ ይኸውን ስለዘሎ፡ ኣብ ማእከል ምምሕዳሮም ኣሕደርቲ ኣብያተትምህርቲ ክተኣታተዋ ተላብዮም።

Categories