ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዘበገስዎን ሃገራዊ ሽማግለ ኣብ ሽወደን ዝወደቦን ካብ 15 ክሳብ 30 ሕዳር ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ንመኸተ ወራር ኣንበጣ ዝውዕል ወፈያታት ተገይሩ።

ዕላማ’ቲ መደብ፡ ኣብ’ዚ ከቢድ ናይ ቫይረስ ኮሮና እዋን ንዝተኸስተ ወራር ኣንበጣ ንምምካት ዜግነታዊ ኣበርክቶ ንምግባር ከምዝኾነ፡ ወደብቱ ንኤሪና ገሊጾም።

በዚ ሓይሊ ዕማም ብምቛም ኣብ ሰለስተ እብረ ብማንዛ ዝተኻየደ ናይ ወፈያ መደብ ድማ፡ ኣስታት 200 ሽሕ ክሮነር ተኣኪቡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንሓደገኝነት ወራር ኣንበጣ ኣብ ሓረስቶት ስድራ-ቤታትን ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት ሃገርን ዝገልጽ ኣስተምህሮ ብሞያውያን ቀሪቡ።

Categories