ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ከብትን ጤለ-በጊዕን ናይ ምኽታብ ወፍሪ ከምእተኻየደ፡ ሓኪም እንስሳ ወይዘሮ ሕብረት መድሃኔ ሓቢራ።

በቲ ኣብ 20 ነቝጣታት ዝተኻየደ ናይ ክታበት ወፍሪ፡ ልዕሊ 43 ሽሕ ከብትን ጤለ-በጊዕን ጸረ ፍሮማይን ሕማም ምቑላዕን ክኽተባ እንከለዋ፡ ኣኽላባት ድማ ጸረ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ከምእተኸትቡ፡ ወይዘሮ ሕብረት ወሲኻ ገሊጻ።

እቲ ኣብ 67 ዓድታት ዝተኻየደ ወፍሪ ክታበት፡ ሳላ ልዑል ምትሕባብር ወነንቲ ጥሪት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ከምእተዛዘመ ጠቒሳ ድማ፡ ሸፈነ ክታበት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ኣፍሊጣ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ በረኸት ተኽለስላሰ ብወገኑ፡ ጥሪት ሎሚ ዓመት ዝኣክል ቀለብ ስለዝረኸባ ኩነታተን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ ብምሕባር፡ እቲ ናይ ክታበት መደብ ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ሕማማት ንምውጋድ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።

ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከቢድ ሳዕቤን ከኸትሉ ከምዝኽእሉ ዝጠቐሰ ኣቶ በረኸት፡ ህዝቢ ብሓፈሻ ሓረስቶት ድማ ብፍላይ ጥሪቶም ብግቡእ ከኽትቡ፡ ዝሓመማ ጥሪት ምስ ዝርከባ ከኣ ተቐላጢፎም ንዝምልከቶ ኣካል ክሕብሩ ተማሕጺኑ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣስታት 1.5 ሚልዮን እንስሳታት ንምኽታብ ዝዓለመ መደብ ኣብ መላእ ሃገር የካይድ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

Categories