መበል 50 ዓመት ህልቂት ዖናን በሰክዲራን፡ ብ30 ሕዳርን 1 ታሕሳስን ኣብ ክልተአን ዓድታት ተዘኪሩ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ ዝርከቦም ሰብመዚ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን፡ ከምኡ’ውን ውጻእ መዓት ተሳቲፎም።

ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓያሎ ዓድታት፡ ገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ ብዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት፡ ዕሸላት፡ ኣዴታትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ኣሽሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ከምዝገበረ ብምጥቃስ፡ ሓደስቲ ወለዶታት ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ንምርግጋጽ ንዝተኸፍለ ረዚን መስዋእቲ ብግቡእ ክግንዘቡ መሰረታዊ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ህልቂት ኣብ ዝተፈጸመሉ መስጊድ በሰክዲራን መቓብር ስዉኣት ዖናን ኣኽሊል ዕንባባ ኣንቢሩ።

እቲ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት፡ ንግፍዕታት መግዛእቲ፡ መኸተ ህዝብን ርዝነት መስዋእትን ብዝገልጽ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ዝተሰነየ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ዕለት፡ ካብ’ቲ ህልቂት ንስክላ ዝደሓኑ ዜጋታት፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ ግፍዒ ብምግላጽ፡ ሕድሪ ዝወደቑ ሰማእታት ንኽይዓብርን ጅግንነቶም ንምዝካርን ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ብምምጓስ፡ ሕሉፍ ታሪኽና ናብ ወለዶታት ብግቡእ ንኽሰጋገር፡ ግፍዕታት ዝተፈጸመሉ ቦታታት ምልክትን ሓወልትን ክግበረሉ፡ ከምኡ’ውን ብግቡእ ክሕጸርን ክግረብን ተላብዮም።

መግዛእታዊ ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ብ30 ሕዳር 1970 ኣብ መስጊድ በሰክዲራ – 16 ነፍሰጾራት ዝርከብዎም 220 ንጹሃት ዜጋታት፣ ንጽባሒቱ 1 ታሕሳስ ድማ ኣብ ዖና 800 ትንፋስ ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ከምዝቐዘፈ ይዝከር።

Categories