ቀረብ ማይ ከተማ ዓሰብ ንምስፋሕ ዝተጀመረ ዕዮ ብጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ፡ ግዜያዊ ሓላፊ ኣገልግሎት ማይ’ታ ከተማ ኣቶ ይርጋኣለም ገብረሚካኤል ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ቀንዲ ምንጪ ማይ ሓርሲለን ውሽጣዊ መስመራት ከተማ ዓሰብን ዝካየድ ዘሎ ስራሕ፡ ዛጊት ልዕሊ 80 ሚእታዊ ብምስልሳሉ፡ ክርአ ዝጸንሐ ጸገም ማይ መጠናዊ ፍታሕ ክረክብ ከም ዝሓገዘ፡ ኣቶ ይርጋኣለም ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ውህደት ኩለን ኣካላት መንግስትን ግንባርን ዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢን ኣብ ስሉጥነት ናይ’ቲ ስራሕ ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ጠቒሱ ድማ፡ እቲ ስራሕ ምስ ተዛዘመ፡ ጸገም ማይ’ታ ከተማ ዘላቒ ፍታሕ ከምዝረክብ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

Categories