ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ጀርመን፡ ካብ 24 ጥቅምቲ ክሳብ 14 ሕዳር – ኣብ ሰለስተ ዞባታት ተኸፋፊሎም ብቴለኮንፈረንስ ኣብ ዘካየድዎ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ንጥፈታቶም ብምግምጋም፡ መድረኻዊ ተልእኾ ንምስማር ዝሕግዝ ውጥን ስራሕ ሓንጺጾም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርን ዞባናን፣ ገስጋስ መኸተ ኮቪድ-19ን ወራር ኣንበጣን፣ ከምኡ’ውን ዝሰላሰሉ ዘለዉ መደባት ሕርሻን ልምዓትን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝሓለፈ ተመኵሮታት ምርኩስ ጌሮም፡ ነዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ ዝበቅዕ መደባት ከምዝሕንጽጹ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ ብወገኑ፡ ኣብ ፓለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት ናይ ዝተሰላሰለ ዕማማት፡ ከምኡ‘ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ጀነቫ – ስዊዘርላንድ ናይ ዝተኻየደ 4ይ ዙር ስልጠና ካድራት ገምጋም ድሕሪ ምቕራብ፡ ዋሕስ መጻእን ተቐባል ሕድርን መንእሰይ ወለዶ ስለዝኾነ፡ ነዚ ኣካል ሕብረተሰብ ንምውዳብ ዝግበር ጻዕርታት ብውህደት ክስራሓሉ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ሓላፊ ህዝባዊ ዲፕሎማስን ሜድያን ኣቶ ተኽሉ ለባሲ ድማ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ኣብ ዞባና ሽርክነታዊ ዝምድናታት እናማዕበለ ምምጽኡ ብምጥቃስ፡ ኣባላት ኣኣብ ዘለውዎ ከም ኣምባሳደራት ኮይኖም፡ ጽቡቕ ምስሊ ሃገሮም ከፋልጡን ክዅልዑን ትጽቢት ከምዝግበረሎም ሓቢሩ።

ኣብ መደምደምታ ተሳተፍቲ፡ ብሓለፍቲ ውዳበታት ህግደፍ በብዞባኡ ኣብ ዝቐረበ ገምጋማት ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ድኹም ጎድንታት ብምፍዋስ፡ ብሓያል ውዳበ ንመድረኽ ሰላምን ምዕባለን ዝበቅዕ ስራሓት ከምዘካይዱ ኣረጋጊጾም።

Categories