ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት – ምምሕዳር ፈልከት፡ ኣብ መዐደሊ ነቝጣታትን ምንጪ ጸሓያዊ ጸዓትን ኣጋጢሙ ብዝነበረ ምብልሻው ዝተኸስተ ጸገም ዝስተ ማይ፡ መንግስቲ ብዝወሰዶ ስጒምቲ ከምእተፈትሐ፡ ነበርቲ ገሊጾም።

ብመሰረት ሓበሬታ’ቶም ነበርቲ፡ ድሕሪ ምብልሻው ናይቲ ፕሮጀክት፡ ን3 ሰዓታት ተጓዒዞም ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ክሰትዩ ምጽንሖም ብምዝካር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ሽግሮም መፍትሒ ከምዝረኸበ ኣብሪሆም።

ሓላፊ ጨንፈር ጸዓት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ኣሕመድ ኣደም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሓ ክልተ ነቝጣታት መዐደሊ ማይን ናይ ኢድ ፖምፓን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይነን’ኳ እንተጸንሓ፡ ብዝተገረለን ጽገና እቲ ተኸሲቱ ዝጸንሐ ጸገም ከምእተፈትሐ ኣረዲኡ።

ኣቐዲሙ’ውን፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ናሮ-ተብዓትን ናሮ-ኣንስን ዝተበላሸወ ፕሮጀክትታት ማይ፡ ተዓርዩ ዳግማይ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኑር ረጀብ ብወገኑ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ዝተበላሸወ ብጸሓያዊ ጸዓትን ብናይ ኢድ ፖምፓን ዝሰርሕ ፕሮጀክትታት ማይ ብምጽጋኑ ህዝቢ ዝረኸቦ መስተርሆ ብምጥቃስ፡ ንቐጻልነቱ ውሕሉል ኣተሓሕዛን ግቡእ ክንክንን ክግበረሉ ኣዘኻኺሩ።

ፈልከት፡ ካብ ኣፍዓበት ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ 10 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories