ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብሰብ-ሰርሖን ባህርያውን ምኽንያታት ግዳያት ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት ዝኾኑ ወገናት፡ ኣፍረይቲ ኮይኖም ነብሶም ዝኽእሉሉ ባይታ ንምጥጣሕ ዝተጀመረ ናይ ምጥያሶም መደብ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣቶ እዮብ ኪዳነ ሓቢሩ።

ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኣቶ እዮብ፡ ዞባ ጋሽ-ባርካ ምስ ዘለዎ ሰፊሕ ናይ ሕርሻን ንግድን ዕድላት፡ ሰባት ሰሪሖም ነብሶም ንክኽእሉ ኣተባባዒ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ዝተፈላለየ ጸገማት ንዘለዎም ንምጥያስ ብዝተጀመረ መደባት፡ ዝበዝሑ ተጠቀምቲ ነብሶም ኣብ ዝኽእሉሉ ደረጃ ከምዝበጽሑ ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ እዮብ፡ እቲ ዝግበር ሓገዛት፡ ብዘይወለድ ዝዝርጋሕ ልቓሕ፣ ምጥያስ ብጥሪትን ካሮሳን፣ ምጥያስ ብመጠን ንኡስ ንግዳዊ ንጥፈት፣ ምሕጋዝ ተመሃሮ ብዲቪዛን ናውቲ ትምህርትን፣ ከምኡ’ውን ምውዳብ ሞያዊ ስልጠናታትን ካልእን ከምዘጠቓልል ተፈሊጡ።

እቲ ጨንፈር ብዘይካ’ቲ ንጽጉማት ዝገብሮ ናይ መትከል እግሪ ሓገዛት፡ በብእዋኑ ብዝኽሰት ሓደጋታት ባርዕ ሓዊን ውሕጅን ንዘጋጥሙ ጸገማትን ምምዝባላትን ንምርዳእ’ውን፡ ምስ ምምሕዳራት ብምውህሃድ፡ ህጹጽ ናይ መግቢ፡ መጽለሊን ናውቲ ገዛን ደገፍ ብምግባር ሽግራት ህዝቢ ንምቅላል ከምዝጽዕር ብምግላጽ፡ ብፍላይ ኣብ መንበሪ ገዛ ዝእከብ ቃንጫን ሳዕርን ንባርዕ ዝተቓልዐ ስለዝኾነ ክእረም፣ ኣብ ደንደስ ሩባታት ዝተደኰና ዓድታት ድማ ካብ ሓደጋታት ውሕጅ ንኽድሕና ጠመተ ክግበረለን ተላብዩ።

ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ እዮብ ኪዳነ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብሩ ዜጋታት ብውልቅን ብኮምን ንስድራ ስዉኣትን ካልኦት ወገናትን ዝገብርዎ ዝተፈላለየ ሓገዛት፡ ምስ’ቲ ብመንግስቲ ዝግበር ተደሚሩ ለውጢ ዘምጽእ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ምስጋና ኣቕሪቡ።

Categories