ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር፡ ምስ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ብምትሕብባር፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ንዝነጥፉ ሰራሕተኛታትን ውሽጣዊ ኦዲተራትን፡ ካብ 9 ክሳብ 20 ሕዳር ኣብ ኣስመራ ስልጠና ሂቡ።

እቲ ስልጠና፡ ኣብ ትካላት ዝግበር ውሽጣዊ ኦዲት ንምውርጻጽ፣ ሃገራዊ ስትራተጂካዊ ውጥን ንምድላው፣ ከምኡ’ውን ዓቕሚታት ምሕደራን መሪሕነትን ንምሕያል ዝዓለመ ኰይኑ፡ ብጠቕላላ 55 ኣባላት ተሳቲፎምዎ።

ኣብ’ቲ ናይ ምዝዛም ስነ-ስርዓት፡ ጠቕላሊ ኦዲተር ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር ገብረመድህን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ኣብ ክልተ እብረ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ብቐንዱ ኣብ ትካላት መንግስቲ ንዘለዋ ኣሃዱታት ውሽጣዊ ኦዲት ዝሓቊፍ ስትራተጂካዊ ውጥን ንምድላው ምዃኑ ብምሕባር፡ ካብ 2021 ክሳብ 2025 ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጂካዊ ውጥን ከምእተዳለወ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰልጣኒ ድማ ኣብ ስራሕ ንምትግባሩ ሓላፍነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ፈጻሚ ዳይረክተር ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ዶክተር ኣቤል ሃብተማርያም ብወገኑ፡ ኩለን ትካላት መንግስቲ ብስትራተጂካዊ ውጥን ንኽምርሓ ቀጻሊ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ሰልጠንቲ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ መበገሲ ብምግባር፡ ኣብ ትካላቶም ክሰርሑሉ ተላብዩ።

ዝወሰድዎ ስልጠና፡ ኣብ ስርሖም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ህይወቶም’ውን ናይ ባህሪ ለውጢ ንኸምጽኡ ዝሕግዝ ምዃኑ፡ ወከልቲ ሰልጠንቲ ሓቢሮም።

እቲ ናይ 5 ዓመት ስትራተጂካዊ ውጥን፡ ብደረጃ ሃገር ንኹሎም ውሽጣዊ ኦዲተራት ከስርሕ ብዘኽእል ተዳልዩ ከምዘሎ፡ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

Categories