ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ኣብ ኣስታት ትሽዓተ ሄክታር ዝተዘርአ ክልተ ዓይነታት ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ሓረስቶት ገሊጾም።

እቲ ኣብ 6 ምምሕዳራት ከባቢ ንሓረስቶት ተዓዲሉ ዝተዘርአ ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ፡ ኣቐዲሙ ተፈቲኑ ዝምስገን ውጽኢት ዝሃበ እዩ።

ሓረስቶት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ ኣዝዩ ኣርባሒ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንነብሶም ኰይኖም ዕዳጋ ኣብ ምርግጋእ ኣበርክቶ ክገብሩ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ንሳቶም ብተወሳኺ፡ ሕማቕ ዝበሃል መሬት ስለዘየለ፡ ካልኦት ሓረስቶት’ውን ምቅይያር ዘርኢ ከዘውትሩን ምሩጽ ኣዝርእቲ ክጥቀሙን ኣዘኻኺሮም።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ኣቶ እያሱ ኣሰፋው ብወገኑ፡ ንኣገዳስነት ምሩጽ ዘርኢ ኣብ ምኽዕባት እቶታውነት ብምጥቃስ፡ ብሰፊሑ ንምትእትታዉ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories