ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንጥፈታት ምርባሕ ደርሁ ዕብየት ከምዘመዝገበ፡ ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ እንስሳ መንእሰይ ሃብተማርያም ኣብርሃም ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዞባ፡ ቁጽሪ ኣብ ምርባሕ ደርሁ ዝነጥፉ እናወሰኸ ምምጽኡ ዝጠቐሰ መንእሰይ ሃብተማርያም፡ እዚ ውጽኢት ዝተዋህበ ኣስተምህሮታት፡ ዝተገብረ ሓገዛትን ብግብሪ ዝተራእየ ረብሓታትን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ምርባሕ ደርሁ፡ ኣካል ንኡስ ጥሙር ስድራቤታዊ ሕርሻዊ ንጥፈት ከምዝኾነ ብምግላጽ ድማ፡ ካብ ምውሓስ ቀረብ መኣዛዊ መግቢ ስድራ-ቤት ሓሊፉ፡ ቊጠባዊ ረብሓታት’ውን ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

መንእሰይ ሃብተማርያም ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ጎኒ-ጎኒ ምዕዳል ጨቓዊት፡ ንመግቢ ደርሁ ዝውዕል ሓገዝን ስልጠና ኣገባብ ምርባሕን ከምእተዋህበ ብምሕባር፡ እቲ ዞባን ጸጋታቱን ንምርባሕ ደርሁ ምቹእ ስለዝኾነ፡ ኣርባሕቲ ምህርቶም ኣብ ምዕባይ ጻዕሮም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories