ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዘሎ መገሃጫታት ምስ ብዝሒ ጥሪት ክነጻጸር እንከሎ ውሑድ ስለዝኾነ፡ ንንውሕ ዝበለ ኣዋርሕ ከገልግሎም ምእንቲ ብኣገባብ ክጥቀሙሉ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ክኢላ ልምዓት መገሃጫ ኣቶ ተስፋይ ገብረኪዳን ጸዊዑ።

ካብ’ቲ ልዕሊ 59 ሽሕ ሄክታር ዝዀነ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት ንኡስ ዞባ ዓዲቐይሕ፡ ሕሩም ሕዛእቲ 1,876 ሄክታር ጥራይ ከምዝዀነ ዝሓበረ ኣቶ ተስፋይ፡ ኣብ’ዚን ኣብ’ቲ ግዝያዊ ሕዛእቲን ዝበቘለ ሳዕሪ ክሳብ ዝመጽእ ክራማት ንኸጻንሖም፡ ሓረስቶት ኣብ ተጠቃምነት ጥንቃቐ ከዘውትሩ ተላብዩ።

ንኩነታት ጥሪት ብዝምልከት ድማ ኣቶ ተስፋይ፡ ኣስታት 36 ሽሕ ከብቲ፡ ጤለበጊዕ፡ ኣግማልን ኣእዱግን፣ ከምኡ’ውን 270 ናይ ጸባ ከብቲ ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ ቀጻሊ ብዝወሃብ መደባት ክታበት፡ ጥዕናአን ሕሉው ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ መርጊዳ ኣቶ ብርሃነመስቀል መንገሻ ድማ፡ ዘሎ መገሃጫታት ንነዊሕ ኣዋርሕ ከምዘየካይድኦም ተረዲኦም፡ ኣባላት ንዘለዎም መግቢ ጥሪት ብውሕሉል ኣገባብ ክጥቀሙሉ ኣተሓሳሲቡ።

Categories