ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቅላመት ዝተኸፍተት ትካል ጥዕና፡ ኣብ ምቅላል ዝጸንሐ ጸገማት ዝምስገን ኣበርክቶ ትገብር ኣላ።

መወልዳን ነርስ ዑመር ስዒድ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ትካል ኣገልግሎታት መወልዳን፡ ክታበት ህጻናትን ኣዴታትን፡ ምክትታል ነብሰ-ጾራትን ቀዳማይ ረድኤትን ከምእትህብ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ኣብ ምውሓስ ጥዕናን ኣዴታትን ህጻናትን ርኡይ ግደ ከምዘለዋ ኣረዲኡ።

እዛ ትካል ጥዕና ቅድሚ ምኽፋታ፡ ዝበዝሓ ነብሰ-ጾራት ኣብ ገዝአን ይገላገላ ከምዝነበራ፡ እዚ ድማ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ሳዕቤናት ከምዝነበሮ ዝሓበረ መወልዳን ነርስ ዑመር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን – ህዝቢ ኣብ ከብዲ ዓዱ ኣገልግሎት ጥዕና ስለዝተዋደደሉ እፎይታ ከምዝረኸበ ኣብሪሁ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ከባቢ ቅላመት ኣቶ ዑመር መሓመድ-ሳልሕ ብወገኑ፡ ዝሓርሳ ወይ ዝኽተባ ነብሰ-ጾራት ከምኡ’ውን ዝኽተቡ ቈልዑ ናብ ኣፍዓበት፡ ፈልከትን ሓመልማሎን ክኸዱ ይግደዱ ምንባሮም፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሽግራት የጋጥም ከምዝነበረ ብምዝካር፡ ሎሚ ግን መሰረታዊ ፍታሕ ተረኺቡ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories