ኣብ ሆስፒታል ባጽዕ፡ ምስ ካልኦት ክፍልታት ተደሪቡ ክሰርሕ ዝጸንሐ ክፍሊ ናጽላታትን ህጻናትን፡ ርእሱ ዝኸኣለ ክፍሊን መሳርሒታትን ተዋዲዱሉ ብ25 ጥቅምቲ ኣገልግሎት ጀሚሩ።

መዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ባጽዕ ዶክተር በርሀ ተስፋይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንናጽላታት ክወሃብ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ብሰንኪ ጽበት ክፍሊ ከም’ቲ ዝድለ ከም ዘይነበረ ብምጥቃስ፡ እቲ ህንጻ መሰረታዊ ጽገና ምስ ተገብረሉ ግና፡ ኣብ መሳርሒታቱን ዓቕሚ-ሰቡን ድሕሪ ዝተገብረ ምምሕያሽ፡ ዝሓሸ ኣገልግሎት ናብ ዝህበሉ ደረጃ ክብ ከም ዝበለ ገሊጹ።

እቲ ኣገልግሎት ጀሚሩ ዘሎ ክፍሊ፡ ዝተወጽዑ ናጽላታት ጥቡቕ ምክትታል ዝገብሩሉ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ክፍሊ ኣብ ድሕነት ህጻናት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ሆስፒታል ባጽዕ ኣቶ ይርጋ ጫኔ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንድሕነት ኣደን ህጻንን ኣድማዕቲ መደባት ስለ ዝተተግበሩ፡ መጠን ሞት ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ከም ዝነከየ ብምሕባር፡ ኣገልግሎት ጀሚሩ ዘሎ ክፍሊ ሕክምና ናጽላታት ኣካል ናቱ ከም ዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣብ ሆስፒታል ባጽዕ ድሕሪ ዝተገብረ መሰረታዊ ጽገና፡ መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጺን ኣገልግሎታትን ከም እተማልኣሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Categories