ብ1 ጥቅምቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ – ምምሕዳር ከባቢ ሆሚብ፡ ሸክበረት ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ህቦብላ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ ብምህራሙ፡ 304 ጤለበጊዕ ብበርቂ ከምዝሞታ፡ ደንጒዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ሆሚብ ኣቶ ውሃጅ ዑስማን፡ ካብ’ዚ ሳሕቲ ዝኽሰት ተርእዮ ንምድሓን፡ ወነንቲ ጥሪት ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ዝኽሰተሉ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

Categories