ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ጽጉማት ወገናት ንምሕጋዝ ዝተጀመረ ንጥፈታት፡ ብዝለዓለ ውዳበታት ይቕጽል ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኮርባርያ፡ 160,500 ናቕፋ ን151 ስድራ-ቤታት ተኸፋፊሉ።

ኣብ’ቲ ናይ ምዕዳል ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣቶ የማነ ኣበራ፡ እዚ ብምምሕዳራት ተማእኪሉ ዝካየድ ዘሎ ሓገዝ ናይ ምምቕራሕ መደብ፡ ክተባባዕ ዝግብኦ መርኣያ ጭዋ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ጉራዕ፡ ኣብ ዝባን-ሰራው 52 ሽሕ ናቕፋ፣ ኣብ ጉራዕ ድማ 147 ሽሕ ናቕፋ ንጽጉማት ስድራ-ቤታት ተኸፋፊሉ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሰሳሕ’ውን 134 ሽሕ ናቕፋ ን71 ጽጉማት ስድራቤታት ተመቓሪሑ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ መጻሉ ብተመሳሳሊ፡ 13,800 ናቕፋ ንኣንስቲ ስዉኣት ተዓዲሉ።

Categories