ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኮማዊ ንጥፈታት ምዕቃብን ምክንኻንን ኣግራብ፡ ኣብ ምስሳን ሃብቲ ገረብ ጽቡቕ ውጽኢት ይህብ ኣሎ።

ሓላፊ ዕቃበ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ኣቶ ማሕሙድ ኣድም፡ እዚ ብነበርቲ ዝዝውተር ዘሎ መበቈላውያን ኣግራብ ናይ ምዕቃብን ምክንኻንን ባህሊ፡ ኣብ ስርሖም ደራኺ ሓይሊ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

ኣግራብ ብሓፈሻ መበቈላውያን ድማ ብፍላይ፡ ኣከባብያዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ባህላውን ኣገዳስነት ከምዘለዎም ዝሓበረ – ሓላፊ በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ተኸስተ ተስፋጽዮን፡ መበቈላውያን ኣግራብ ንምስሳን፡ ዓበይቲ ናይ ምግራብ መደባት ተታሒዞም ምህላዎም ገሊጹ።

ነዚ መደብ ንምዕዋት፡ ሎሚ ዓመት ካብ ዝተዳለዉ ልዕሊ 820 ሽሕ ፈልሲታት፡ እቶም 45 ሚእታዊት ናይ መበቈላውያን ኣግራብ ምዃኖም ጠቒሱ ድማ፡ ድሮ ብውልቀ-ሰባት፡ ማሕበራትን ኮምን ከምእተተኽሉ ኣብሪሁ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ከም ዓየ፡ ሰራው፡ ሳግላ፡ ድማ፡ ኣውሊዕ፡ ሑመር፡ ዳዕሮን ምልዖን ዝኣመሰሉ መበቈላውያን ኣግራብ ብብዝሒ ከምዝርከቡ ተፈሊጡ።

Categories