ኣባላት ውዳበ ጨንፈር ሰራሕተኛታት መንእሰያት ሃማመተኤ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ን15 ስድራ ስዉኣት ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሮም።

“ምንባይ ስድራ ስዉኣት፡ ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ኣይኰነን” ዝበለ ሓላፊ ጨንፈር ሃማመተኤ ኣብ’ቲ ዞባ መንእሰይ ዑስማን ዓብዱልቃድር፡ ኣባላት ውዳበ ሰራሕተኛታት መንእሰያት፡ ሓላፍነት ምንባይ 15 ስድራ ስዉኣት ንሓደ ዓመት ብምውሳድ፡ ወርሓዊ ካብ ደሞዞም ኣዋጺኦም ንነፍሲ-ወከፍ ስድራ ንዝገብርዎ ዘለዉ ናይ 500 ናቕፋ ደገፍ ብምምጓስ፡ ካልኦት ኣካላት ክስዕብዎ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ነተን ስድራ-ቤታት ዝግበር ሓገዝ ኣብ ገንዘብ ጥራይ ዝተሓጽረ ከምዘይኮነ ዝሓበሩ እቶም መንእሰያት፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወተን ደገፍ ኣብ ዘድልየን’ውን ተዋሳእቲ ከምዝኾኑ ኣረጋጊጾም።

ኣባላት ውዳበ ጨንፈር ሰራሕተኛታት መንእሰያት ሃማመተኤ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓላፍነት ምንባይ ስድራ ስዉኣት ወሲዶም ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ብስሩዕ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ፡ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜኦም እዩ።

Categories