ካብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 2020፡ ብዝተፈላለየ መጠንን ዝርጋሐን ኣብ መላእ ሃገርና ኣብ 2500 ሄክታር መሬት፣ ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ተኸሲቱ ምንባሩ – ብውሁድ መኸተ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ህዝብን ክኢላታት ሕርሻን ድማ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ከም ዝኣተወ ይፍለጥ።

ድሒሩ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ኣብ ልዕሊ ዝተጸፍየ ኣንበጣ፣ ዛጊት ኣብ 3000 ሄክታር ብማኑዋል፣ ሞቶራይዝድን ማካይንን እተደገፈ ዕዉት ምንጻግ ጸረ-ባልዕ ይካየድ ኣሎ።

እንተዀነ፡ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ወራር ዕስለ ኣንበጣ ገና ብሓደገኛ መልክዑ ይቕጽል ስለዘሎ፣ ብመሰረት ወግዓውያን ሓበሬታታት ውድብ መግብን ሕርሻን ድማ – ናብ ሃገርና ናይ ምስጋም ተኽእሎኡ ልዑል ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ስለ’ዚ፡ ከም ወትሩ ምምሕዳራት፡ እዝታት ሓይልታት ምክልኻልን ኣብያተ-ጽሕፈት ሕርሻን ምድላዋቶም ከጻፍፉ፣ ህዝቢን ሰራዊትን ክኢላታት ሕርሻን ድማ፡ ክመጽእ ንዝኽእል ወራር ኣንበጣ ንምምካት ቅሩባት ክዀኑ ሚኒስትሪ ሕርሻ ይጽውዕ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ – 9 ጥቅምቲ

2020

Categories