ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ኣብ ትስፉው ደረጃ ዝበጽሐ ዘራእቲ ኣብ ቆፎኡ ክሳብ ዝኣቱ፡ ሓረስቶት ካብ ባልዓትን ኣንበጣን ክጥንቀቑን ምክትታሎም ከሐይሉን መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ኣመሓደርትን ክኢላታት ሕርሻን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ካብ’ቲ ናይ ዓሚ ዝሰፍሐ መሬት ከምእተዘርአ፡ ጽቡቕ ዝናብ ስለዝረኸበ ድማ፡ ዳርጋ ብምሉኡ ኣብ ትስፉው መድረኽ ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ኣቶ ደሴ ዘርእማርያም፡ ኣብ ጐረባብቲ ዞባታትን ሃገራትን ዝተኸስተ ወራር ኣንበጣ ሓደጋኡ ገና ስለዘይተቐንጠጠ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሓረስታይ ኣብ ሕርሻኡ ቀጻሊ ኰለላታትን ምክታትልን ክገብር፡ ዘሰክፍ ተርእዮ ምስ ዝዕዘብ ድማ ቅልጡፍ ሓበሬታ ከመሓላልፍ ተላብዩ።

ወራር ኣንበጣ ንምምካት ኣብ ጎልጅ ነቚጣ ቈይሙ፡ ዘድሊ መሳርሒታት ተዋዲዱ፡ ንሓረስቶትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ስልጠናታት ከምእተዋህበ – ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ገብረሂወት በየነ ኣረዲኡ።

Categories