ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድ – ምምሕዳራት ከባቢ ሓድሽ-ዓድን ሽዕብ-ሰለባን፡ ነበርቲ ዓድታት ሓድሽዓዲ፡ ጉሽ፡ ሃመረሃማርብን ረብቶን፡ ንጽጉማት ስድራ-ቤታት ልዕሊ 444 ሽሕ ናቕፋ ሓገዝ ተመቓሪሑ።

ብመሰረት ሓበሬታ ወኪል ኤሪና፡ ኣብ ሓድሽ-ዓዲ 271 ሽሕ ናቕፋ፡ ኣብ ጉሽ 74,800 ናቕፋ፡ ኣብ ሃምረሃማርብ 59,390 ናቕፋ፡ ኣብ ረብቶ ድማ 39 ሽሕ ናቕፋ ተኸፋፊሉ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኡፕሳላን ከባቢኣን – ሽወደን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሞም ንመኸተ ኮሮና ቫይረስ ዘወፈይዎ፡ ተወሳኺ 69,620 ክሮኖር ሽወደን ኣበርኪቶም።

ኣብ ካልእ ዜና ናይ’ቲ ዞባ፡ ኣብ – ምምሕዳር ከባቢ ሃበሮ ጻዕዳ፡ ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ንምውሓስ ክካየድ ብዝጸንሐ ጐስጓሳትን እናማዕበለ ብዝመጸ ኣገልግሎት ጥዕናን፡ ሸፈነ ክታበት 95 ሚእታዊት፡ ኣገልግሎት ክንክን ቅድምን ድሕርን ሕርሲ 90 ሚእታዊት፡ ሕርሲ ኣብ ትካላት ጥዕና ድማ 95 ሚእታዊት በጺሑ።

ኣቐዲሞም፡ ውጹዓትን ነፍሰ ጾራትን ካብ ሃበሮ ጻዕዳ ናብ ሓውሲ ከተማ ዓሪታይ ተጸይሮም ክኸዱ ኣብ መንጎኡ ጸገማት የጓንፎም ምንባሩ ዝጠቐሱ ነበርቲ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብቐረባ ክረኽቡ ብምኽኣሎም ሓጐሶም ገሊጾም።

ሓላፊ’ታ መደበር ጥዕና ነርስ ሓምድ ዑስማን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝወሃብ ኣገልግሎታት፡ ኣብ ኣገዳስነት ጽሬት ኣከባብን ምክልኻል ሕማማትን ቀጻሊ ጐስጓሳት ስለዝካየድ፡ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ ዓሶ ድማ ብፍላይ ኣዝዩ ከምዝነከየ ሓቢሩ።

ንዝበለጸ ኣገልግሎት፡ ዋሕዲ ዓራውቲ ፍታሕ ክናደየሉን ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ክማልኣሎምን፡ ነርስ ሓምድ ኣዘኻኺሩ።

Categories