ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት – ምምሕዳራት ከባቢ ምህዳፍን ገብገብን ዝስራሓ ዘለዋ ክልተ ራህያታት፡ ኣብ ደረጃ ምዝዛም በጺሐን ድሮ እኹል ማይ ከምዘዕቈራ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እተን ልዕሊ 9 ሚልዮን ናቕፋ ዝወድኣን ብጠቕላላ 220 ሽሕ ኲብ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለወንን ራህያታት፡ ኣብተን ምምሕዳራት ከባቢ ዝነበረ ጸገም ዝስተ ማይ ብምፍታሕ፡ ልምዓት መስኖ ንምትእትታው ኣስተዋጽኦ ክህልወን ትጽቢት ይግበር።

ነቲ ስራሕ ዝመርሕ ዘሎ ኢንጂነር ክፍላይ ረዘነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዝጀመረ መስርሕ ህንጸት ናይዘን ራህያታት፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ክዛዘም ትጽቢት ከምዘሎ፡ ማይክዖታተን ንምፍዋስ እውን ወፈራታት ይካየድ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ገብገብ ኣቶ መሓመድ-ዓሊ ሳልም፡ ንሰብን ጥሪትን ዝኸውን ማይ ንምርካብ ክሳብ ኣስታት 20 ኪሎ-ሜተር ይጐዓዙ ምንባሮም፡ እዚ ድማ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ማሕበረ-ቊጠባዊ ጸገማት ከምዝነበሮ ሓቢሩ።

Categories