ብ14 መስከረም ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ዝሃረመ ንፋስን በረድን ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ሰብ፡ ጥሪት፡ ኣባይትን ሃብቲ ገረብን ጉድኣት ከምዘውረደ፡ ደንጉዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

ብመሰረት’ዚ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሆሚብ ሓደ ሰብን 2 ኣግማልን ብበርቂ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓደ ብውሕጅ ከምእተወስደ ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ፎርቶ፡ መዓስከር ሳዋ፡ ሆሚብን ፈዳዳብን ኣስታት 600 ዓበይቲ ኣግራብ ከምዝወደቑ፣ ኣብ ሆሚብን ግርግርን ድማ 80 ኣጓዱን ቀጽሪ ቤት-ትምህርቲ ሆሚብን ከምዝፈረሱ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories