ኣብ ዓድታት ንኡስ ዞባ ኣራዕታ ዝዝውተር ውሕሉል ምሕደራን ኣጠቓቕማን ማይ ብኣብነት ዝጥቀስ ምዃኑ፡ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ማሕሙድ ዓብደላ ሓቢሩ።

ኣቶ ማሕሙድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተኻየደ ልዑል ጻዕሪን ገዚፍ ወጻኢታትን፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ተጠቃሚ ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይ ክኸውን ከምዝበቕዐ፡ እቲ ዝተኣታተወ ኣገባብ ምሕደራኡ ድማ፡ ነቲ ቀረብ ኣውሒስዎ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ 6 ብጸሓያዊ ጸዓት፡ 1 ብሞቶረ፡ 8 ድማ ብናይ ኢድ ፖምፓ ዝሰርሕ ብጠቕላላ 15 ፕሮጀክታት ማይ ከምዘሎ ዝሓበረ – ሓላፊ ኣገልግሎት ማይ መንእሰይ ኣደም ዓሊ ብወገኑ፡ ብልሽት ምስ ዘጋጥም ብቐረባ ክጽግኑ ምእንቲ፡ መባእታዊ ስልጠና ዝቐሰሙ ሞያተኛታት ኣብ ኩለን ዓዲታት ከምዘለዉ፡ ልዕሊ ዓቕሞም ንዝኾነ ከኣ፡ ብደረጃ ንኡስ ዞባ ጽገናዊ ኣገልግሎት ከምዝወሃብ ሓቢሩ።

Categories