ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል፡ ብደረጃ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ኣብ ምንቃሕ ሕብረተሰብን መሰረታዊ ምድላዋት ኣብ ምጽፋፍን ዕቱብ መደባት ይሰላሰል ኣሎ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሓየሎም ኪዳነ፡ ኣብ’ቲ ዞባ – ኣቐዲሙ ዝተፈላለዩ ስግረ-ዶባዊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምምካት፡ ክሳብ ዓድታት ዝወረደ ውዳበታት ብምጽንሑ፡ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቅድመ-ምድላዋት ከምዝሓገዘ ገሊጹ።

ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት 12 ግዝያዊ መጽንሒ ነቑጣታት ከምዝቘመ፡ ብደረጃ ዞባ ድማ ኣብ ባረንቱ መሐከሚ ቦታ ምስ ምሉእ መሳርሒታቱ ከምእተዋደደ ዝጠቐሰ ዶክተር ሓየሎም፡ ትግባረ ናይ’ቶም በብእዋኑ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጹ ዘለዉ ኣገደስቲ መምርሒታት፡ ዕቱብ ምክትታል ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሕብረተሰብ እዋናዊ መምርሒታት ብግቡእ ከተግብር፡ ኣቐዲሞም ናብ’ተን ሕማም ዝተራእየለን ሃገራት ዝገሹን ምስ ገያሾ ርክብ ዝነበሮምን ሰባት – ናብ ዝቐርቦም ትካል ጥዕና ብምኻድ ኩነታቶም ክፈልጡ ኣዘኻኺሩ።

 

Categories