ኣሃዱ ጐስጓስን ሓበሬታን ‘እዚ’ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ብሞያ ዘሰልጠኖም 35 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 122 ኣባላቱ፡ ኣብ ከተማ ከረን ኣመሪቑ።

እቲ ኣብ ክልተ እብረ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ዓውድታት ስርዓተ-ድምጺ፡ ምእላይ መድረኽ፡ ባህላውን ሙዚቃውን ትልሂታት፡ ደረቕን ተንቀሳቓስን ካሜራ፡ ከምኡ’ውን መባእታዊ ትምህርቲ ምእካብን ምምስራሕን ሓበሬታ ዝሓቘፈ እዩ።

ሓላፊ ጐስጓስን ሓበሬታን እዚ ህዝባዊ ሰራዊት ሳልሕ መሓመድ፡ እቲ ዕላማ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንዝነጥፉ መንእሰያት ኣባላቱ፡ ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ ዝጸንሖም ሞያዊ ኣፍልጦ ክብ ንምባል ከምዝኾነ ገሊጹ።

እንትርፎ ድሌትን ተበግሶን ናይ ስነ-ጥበብ ኣፍልጦን ክእለትን ከምዘይጸንሖም ዝሓበሩ ሰልጠንቲ፡ ሕጂ ግን ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ምርኲስ ገይሮም ከም ሞያ ንምዕባዩ ብዝለዓለ ክሰርሑ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Categories