ኣብ ተብሕ – ንኡስ ዞባ ቅሮራ ኣብ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ከባቢ ፋሕ ኢለን ዝጸንሓ 8 ዓድታት፡ ኣብ ክልተ ከባቢታት – ኣብ ኣራግን ሓሊበትን ተጠርኒፈን።

በዚ መሰረት፡ 80 ስድራ-ቤታት ኣብ ኣራግ፡ 115 ስድራ-ቤታት ድማ ኣብ ሓሊበት ተጠርኒፈን ኣለዋ።

ነቲ መደብ ንምዕዋት፡ ብምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰፊሕ ጐስጓስ ከምእተኻየደ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ተቐማጦ ዓድታት ግልዕ ለዓል፡ ግልዕ ተሓት፡ እደጠርብን ሓጬበራን ኣብ ኣራግ ክጥርነፉ እንከለዉ፡ ነበርቲ ግርግር፡ ዓረስ ከናን ዓይገት ጻዕዳን ድማ ኣብ ሓሊበት ከምእተጠርነፋ ተገሊጹ።

ተቐማጦ ናይ’ተን ሓደስቲ ምምሕዳራት ከባቢ፡ ቀጻልነት ናይ’ቲ ምጥርናፍ ክወሓስ፡ መስርሕ ምውዳድ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ትካላት ጥዕናን ዝስተ ማይን ብዝቐልጠፈ ክትግበር ተላብዮም።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ብ22 መጋቢት ኣብቲ ከባቢ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ተራኺቡን ብዛዕባ ትግባረ መደባት ዘትዩን ነይሩ።

Categories