ከም ኣካል ናይቲ መልከፍቲ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተወደቡ ወለንታውያን መንእሰያት፡ ካብ ሰብ ጸጋ ብዝኣከብዎ ገንዘብ ን120 ጽጉማት ስድራ-ቤታት ናይ ናውቲ ጽሬት ሓገዝ ገይሮም።

እቶም ብሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ዞባ ደቡብ ዝተወደቡ ወለንታውያን መንእሰያት፡ ጽሬት ኣካላት መሰረታዊ ኣገባብ መከላኸሊ ናይ’ቲ ቀታሊ ቫይረስ ምዃኑ ብምርዳእ ነቲ ተበግሶ ከምዝወሰዱዎ ገሊጾም።

እቲ ብኣስታት 14 ሽሕ ናቕፋ ዝተገዝአ ናውቲ ጽሬት፡ ብ30 መጋቢት ብመገዲ ምምሕዳራት ከባቢ ተዓዲሉ።

እቶም መንእሰያት ብዘይካ’ዚ፡ ንወነንቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት – ኣብ ኣሰራርሓኦም ክኽተልዎ ዝግባእ ጥንቃቐታት ብጽሑፍ ኣዳልዮም ከምዝዓደሉ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories