ተላባዒ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል፡ እዋናዊ ሓበሬታን መምርሒታትን ይወሃብን፡ ኣራምን ከልካልን ስጒምቲታት ይውሰድን እኳ እንተሎ፡ ኣብ ትግባረ ሸለልትነትን ጥሕሰትን ዝዓብለሎ ኣካይዳ ይቕጽል ኣሎ።

ትማሊ ሰሉስ 31 መጋቢት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ ኣብ ዝገበርናዮ ዑደት፡ ኣብ ገለ ቦታታት ምስ ጽሬት ዝተተሓሓዘ ኣተባባዒ ስጒምቲታት ክውሰድ፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣገባባት ምክልኻል ናይ’ቲ ቀዛፊ ሕማም ዝኾነ ‘ምፍንታት’ ግን ክጠሓስ ተዓዚብና።

ኣብ ኣፍ-ደገ ክፍሊ መዐደሊ ካርድ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ዕዳጋታት ‘ማርካቶ’፡ ድኳን ሕድሪ ቊ.2፡ ኣብ ከባቢ መደበር ኣብ እትርከብ ጠሓኒት እኽሊ፡ ዕዳጋታት መሸጣ በርበረን ቀመማትን፡ መከፋፈሊ ላምባ ዕዳጋ ሓሙስን ካልኦት ድኳናትን፡ ተጸጋጊዕካን ኣፍ-ንኣፍ ተወሃሂብካን ዕላል፡ ናይ ኢድ ሰላምታን ምስዕዓምን፡ ከምኡ’ውን ኣስቤዛታት ብኢድ ምትንኻፍ ዘጠቓልል፡ ካብ’ቲ ዘጋጠመና ዘይጥንቁቕ ምንቅስቓሳት ነይሩ።

እዚ ተርእዮታት እዚ፡ ንለበዳ እቲ ቫይረስ ባይታ ዝፈጥር ስለዝዀነ፡ ኩሉ ሰብ ግድን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ደው ኢሉ ዓገብ ክብል ኣለዎ።

እቲ ቫይረስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብቕልጡፍ ኣብ ዝዝርጋሓሉን ከቢድ መቕዘፍቲ ኣብ ዘኸትለሉን ዘሎ ህጹጽ እዋን፡ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኮነ – መምርሒታት ብጥብቂ ክትግበሩ ይግባእ።

Categories