ነበርቲ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ብሓፈሻ – ተቐማጦ ሓውሲ ከተማ ጎልጅ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ከባቢኦም ናይ ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ሕጽረታት ንምቅላል ዝወስድዎ ዘለዉ ተበግሶ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ።

ምስ ተመሃሮን ኮሚተ ወለድን ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ርእሰ-መምህር ቤትትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ጀበል ሓምድ፡ መምህር ረዘነ ሓጐስ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ግዝያዊ መምሃሪ ዳሳት ዝምህራ ናይ መባእታ፡ ከምኡ’ውን ሕጽረት ክፍልታት ዘለወን ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምቅላል ብህዝቢ ንዝውሰድ ዘሎ ተበግሶታት ሞጒሱ።

መምህር ረዘነ፡ ተሳታፍነትን ብቕዓትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣተባባዒ ክነሱ፡ ብሰንኪ መርዓን ካልእ ዘይብቑዕ ምኽንያታትን ምቁራጽ ይርአ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንምግታኡ ተራ ኮሚተ ወለዲ ክዓቢ ኣተሓሳሲቡ።

ኮሚተ ወለዲ በቲ ኣጋጣሚ፡ ዋሕዲ መምሃሪ ክፍልታት ንምቅላል ዝውዕል 70 ሽሕ ናቕፋ – ካብ ወለዲ ከም እተበርከተ ሓቢሮም።

Categories