ኣብ ቡያ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ህዝቢ ንምዕባለ ትምህርቲ ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶታት፡ ኣብ ውጽኢት ተመሃሮ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ርእሰ-መምህር መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ቡያ፡ መምህር ኣደም መሓመድ ዑመር፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር ኣስታት 93 ሚእታዊት ተመሃሮ ምሕላፎም፡ መርኣያ ናይ’ቲ ዝምዝገብ ዘሎ ዕብየት ምዃኑ ገሊጹ።

ንዝያዳ ውጽኢት ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ዝርአ ዋሕዲ መማህራን ግን፡ ፍታሕ ክናደየሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ህቦብላ ብዝተሓወሶ ዝናብ ገለ ክፋል’ታ ቤት-ትምህርቲ ከምዝፈረሰ፡ ትምህርቲ ንኸይሰናኸል ግን፡ ብጻዕሪ ህዝብን መማህራንን ግዝያዊ መጽለሊ ተሰሪሑ – እቲ መደብ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ግን ቈላሕታ ክወሃቦ መምህር ኣደም ኣዘኻኺሩ።

ተመሃሮ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝመጹ ስለዝዀኑ ጸገማት ከምዘለዎም ብምምልካት ከኣ፡ ኣብ ትምህርቶም ብምድሃብ ተወዳደርቲ ንክኾኑ፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ኣሕዳሪት ወይ ሓውሲ ኣሕዳሪት ክትከውን ዝምልከቶ ኣካል ክሓስበሉ ተላብዩ።

Categories