ማእከል ጥዕና ፎሮ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብምክልኻልን ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ዘመናዊ ሕክምና ክብ ብምባልን፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ዕዙዝ ኣስተዋጽኦ ትገብር ኣላ።

ሞያውያን ናይ’ታ ማእከል ጥዕና ከምዝሓበርዎ፡ እታ ብሰለስተ ኣባላትን ውሱን ዓቕሚን ዝጀመረት ማእከል፡ በብእዋኑ ብዝተኣታተወላ ናውትን ዓቕሚሰብን ዝተማልአ ኣገልግሎት ክትህብ በቒዓ ኣላ።

ሕጽረት ዓቕሚ-ሰብን ናውቲ ስራሕን ዝነበሮ ኣገልግሎት ላቦራቶሪ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ እኹል ዓቕሚ-ሰብን መሳርሒታትን ዓጢቑ፡ ኣብ ምቅልጣፍ መስርሕ መርመራን ምቅላል ሃልኪ ነበርትን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ሞያውያን፡ ጂኦግራፍያዊ ኣቃውማ እቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝረአ ሓደ-ሓደ ሕጽረታት ከም ዝማልኣሎም እምነቶም ገሊጾም።

ካብ ርሑቕ ከባቢታት ዝመጻ ነፍሰ-ጾራት፡ ካብ ቅድሚ ወርሒ ኣብ መጸበዪ ጸኒሐን ከምዝገላገላ ይግበር ስለዘሎ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምውሓስ ጥዕናአንን ጥዕና ዕሸለንን ዘለዎ ኣስተዋጽኦ፡ ብዛዕባ ክንክን ቅድሚን ድሕርን ሕርሲን ካልእ ጥዕና-ጠቀስ መዳያትን ኣስተምህሮ ይረኽባ ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ኣብ 2019 ኣብታ ትካል ናይ ዝተገላገላ ነፍሰ-ጾራት ቁጽሪ፡ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ10 ሚእታዊት ከምዝዓበየ፡ ሸፈነ ክታበት ህጻናት በብእዋኑ ዕብየት የመዝግብ ከምዘሎ፡ ብዛዕባ ጐዳእቲ ልምድታትን ጽሬት ኣከባብን ዕቱብ ስራሓት ከምዘካይዱ ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

ኣስታት 25 ኣባላት ዘለውዋ ማእከል ጥዕና ፎሮ፡ ንምምሕዳራት ከባቢ ማልካ፡ ኣይሮማለ፡ ሓድሽ፡ ዙላ፡ ኣፍታን ፎሮን ኣገልግሎት ትህብ።

Categories