በረራታት ኣየር ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምቊራጹ፡ ካብ ደገ ካብ ዝመጹ ተጓዓዝቲ፡ ኣብ’ዚ ሳልስቲ’ዚ ብዝተገብረሎም መርመራ – ሽድሽተ ገያሾ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም።

ካብኣቶም ሓሙሽተ ደቂ-ኣንስትዮ ክዀና እንከለዋ፡ ዕድመኦም ካብ 32 ክሳብ 60 ዓመት ዝዝርጋሕ እዩ። ኣርባዕተ ካብኦም ተወሺቦም ዝጸንሑ ኰይኖም፡ እቶም ክልተ ኣብ’ታ ዝመጽኡላ ነፋሪት ዝዀነ ምልክት ዘርኣየ ገያሻይ ስለዘይነበረ፡ ወጺኦም ዝነበሩ እዮም።

ድሕሪ እዚኦም እውን፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና መርመራ ዝተገብረሎም ካልኦት ሰለስተ ዜጋታት፡ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።

ሰለስቲኦም – ሓንቲ ጓል-ኣንስተይትን ክልተ ደቂ-ተባዕትዮን፡ በረራ ነፈርቲ ቅድሚ ምቊራጹ ካብ ወጻኢ ናብ ሃገር ዝኣተዉ እዮም። ዕድመኦም ድማ ካብ 48 ክሳብ 60 ዓመት ዝዝርጋሕ እዩ።

ነዚኦም ወሲኽካ፡ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝሓመሙ ዜጋታት 15 ኰይኑ ኣሎ። ንኩሎም እዞም ሕሙማት ድማ፡ ዘድሊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!

ሚኒስትሪ ጥዕና

29 መጋቢት 2020

Categories