መንግስቲ ኤርትራ፡ ንምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዝምልከት ብተኸታታሊ መምርሒታት ከውጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እንተኾነ፡ ኣብ ትግባረ’ቲ ዝወጽእ ዘሎ መምርሒታት ብዙሕ ጥሕሰታት ክርአ ጸኒሑ። ኣብ ኣብያተ-ጸሎት፡ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ሓጎስን ሓዘንን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ዝቕጽል ዘሎ ጻዕቂ ምትእኽኻብን ዘይምፍንታትን ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ።

እቲ ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ብቕልጡፍ ኣብ ዝዝርጋሓሉን ከቢድ መቕዘፍቲ ኣብ ዘኸትለሉን ዘሎ ህጹጽ እዋን እምበኣር፡ መምርሒታት ብደረጃ ዜጋታት ብጥብቂ ክትግበሩ፡ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ድማ ተሪር ስጉምቲታት ምውሳድ ሕጋዊ ግዴታ እዩ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝወጸ መምርሒታት፡ እዚ ዝስዕብ ተወሲኑ ኣሎ፦

1) ንዘሎ ሸለልትነትን ጥሕሰትን ንምግታእ፡ ካብ ሎሚ 31 መጋቢት 2020 ጀሚሩ፡ መምርሒታት ኣብ ልዕሊ ዝጥሕሱ ወገናት ብዝምልከቶም ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲታት ክውሰዱ እዮም።

2) ካብ ሎሚ 31 መጋቢት 2020 ሰዓት 6፡00 ቅድሚ ቐትሪ ጀሚሩ፡ ኣብያተመግቢን መስተን፡ ካልኦት ዓማዊል ብብዝሒ ዘአንግዳ ናይ ኣገልግሎት ትካላትን ንኽልተ ሰሙን ይዕጸዋ። ኣብዘን ትካላት እዚኣተን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ካብ ስራሕ ኣይስጎጉን፡ ምሉእ ደሞዞም ድማ በቲ ዝሰርሑሉ ትካል ይኽፈሎም።

3) ኣፍረይቲ ትካላት፡ ባንክታት፡ ፋርማሲታት፡ ድኳናት መግብን ኣገደስቲ ሃለኽትን፡ ተኸፊቶም ይጸንሑ።

4) ክፍሊት ማይ፡ ኤለክትሪክን ቀዋሚ ቴለፎንን ናይ ነፍሲ-ወከፍ ስድራ-ቤት፡ ዘየድሊ ምንቅስቓስ ንምውጋድ፡ ንሓደ ወርሒ ተወንዚፎም ይጸንሑ። ውህሉል ክፍሊት ብድሕሪኡ ይዕጾ።

5) ካብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ጀሚሩ፡ መጋባእያታት ኣብያተ-ፍርዲ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዕጹው ኮይኑ፡ ጉዳያትን ቈጸራታትን ተወንዚፎም ይጸንሑ።

6) ትካላት መንግስቲ (ሚኒስትሪታት፡ ምምሕዳራት፡ በዓል-መዚታት፡ ኮሚሽናት ወዘተ.) ነቲ ብመንግስቲ ዝወጽእ ዘሎ መምርሒታት ኣብ ትካላቶም ብጥብቂ ንምትግባር ዝሕግዝ ኣገባብ ኣሰራርሓ ክኽተሉ ይግደዱ። ነዚ ብዝምልከት ዝርዝራዊ መምርሒ ክለኣኸሎም እዩ።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!

ሚኒስትሪ ጥዕና

30 መጋቢት 2020

Categories