ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ብ“ፕሮጀክት ኢንገልዔላ – ራሙድ”፡ ካብ 20 ለካቲት ክሳብ 1 መጋቢት ብዝተኻየደ ዳህሳስ ስነ-ጥንቲ፡ ናይ ሚልዮናት ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ኣገዳሲ ጥንታዊ ኣሰረ-ህይወት ተረኺቡ።

ኣብ’ቲ ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ቤተመዘክር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ስጳኛውያን ክኢላታትን ዝተኻየደ ዳህሳስ ዝተሳተፉ ሞያውያን፡ ኤርትራ ኣካል ‘ዓቢ ሃጓፍ ስንጭሮ’ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምዃና፡ ኣብ’ቲ እትውንኖ ክፋሉ እተካይዶ መጽናዕትን ኲዕታን፡ ብመንጽር ታሪኽን ቅድመ-ታሪኽን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ሓላፊ ጨንፈር ምርምር ስነ-ጥንታዊ ውርሻታት ዶክተር ጸጋይ መዲን፡ ኣቐዲሙ ኣብ ቡያ ንዝተረኽበ ሓበሬታ ኣሰረ-ህይወት ዘሀብትም፡ ዝምልእን ኪንዮኡ ዝኸይድን ኣሰራት ከምዝረኸቡ ሓቢሩ።

ኣፈናዊ መጽናዕቲ ይቕጽል’ኳ እንተሎ፡ ዛጊት ኣብ ክልተ ቅድመታሪኻውያን ቦታታት፡ ካብ 800 ሽሕ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዓመት፡ ከምኡ’ውን ካብ 1.1 ክሳብ 1.2 ሚልዮን ዓመት ዕድመ ዘለዎ ኣሰራት ወዲ-ሰብን ዝጸነቱ እንስሳታትን ተረኺቡ ከምዘሎ፡ ዶክተር ጸጋይ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

“እዚ ፕሮጀክት’ዚ፡ ብመጠኑ ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ዘድሃበ ብምዃኑ፡ ኤርትራ ኣብ ፍልቀት ወዲ-ሰብን እንስሳታትን ዘለዋ ተራ ንኽዓዝዝ ዝግበር ዘሎ መጽናዕቲ እዩ።” ዝበለ ዶክተር ጸጋይ፡ እቲ በብዓመቱ ዝግበር ዳህሳስን ዝርከብ ዘሎ ሓበሬታን ትስፉውን ኣገዳስን ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ፕሮጀክት ዝሳተፉ ዘለዉ ስጳኛውያን ክኢላታት፡ እቲ መጽናዕታዊ ኲዕታ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ፡ ኣገዳሲ ጥንታዊ ኣሰረ-ህይወት ኣብ ሓደ እዋንን ከባብን ናይ ዝነብሩ ዝነበሩ እንስሳታትን ደቂ-ሰብን ስለዝርከቦ፡ “ፕሮጀክት ኢንገልዔላ ራሙድ” ካብ’ቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሰላሰልዎ ፕሮጀክትታት ፍሉይነት ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ኣብ 2012 ዝጀመረ “ፕሮጀክት ኢንገልዔላ – ራሙድ”፡ ሎም-ዘበን ንሻሙናይ ግዜኡ እዩ ተኻዪዱ።

Categories