ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል፡ ብኣላይነት ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕናን ውህደት ሓያሎ ኣካላትን ጻዕሪታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ህዝቢ ዝተገብረ ንጥፈታትን ሓፈሻዊ ምድላዋትን ብምግምጋም – ኣድማዕነቱ ንምርግጋጽ፡ ብ19ን 20ን መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ከሰተብርሃን ሰለሙን፡ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብደረጃ ዓለም ኣውሪድዎ ዘሎ ሰብኣውን ቁጠባውን ሃስያ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ተገይሩ ብዛዕባ ዘሎ ምድላዋት መግለጺ ሂቡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ኣብ ዝሕግዙ መስመራት ምብህሃል፡ ኣብ ንጥፈታት ቅድመምድላዋት፡ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝሕግዙ ሜላታትን ኣብ ካልእን ብዕምቈት ዘትዮም።

Categories