ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ኣብ ገምጋማዊ ኣኼባ ተገሊጹ።

ሓላፊ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓብዱላሂ ሳልሕ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2019/2020 መጠን ምሕላፍ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት ኣብ መባእታ 89 ሚእታዊት፣ ኣብ ማእከላይ ደረጃ 70 ሚእታዊት፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ 80 ሚእታዊት ከምዝነበረ ኣረዲኡ።

ሳላ ጐስጓሳት፡ መጠን ምቊራጽ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ብ3 ሚእታዊት ከምዝጐደለ፡ መደባት ትምህርቲ ንዓበይትን ዓረዮትን እውን መጠናዊ ዕብየት ከምዘርኣዩ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

በቲ ኣጋጣሚ ኣኼበኛታት፡ ሞያዊ ዓቕሚ መማህራን ንምዕባይ ስልጠናታት ክወሃብ፡ ኣብ ዳሳት ዝምህራ ኣብያተ-ትምህርቲ ቈላሕታ ክግበረለን ዝብሉ ለበዋታት ኣሕሊፎም።

Categories