ኣብ ከተማን ዓድን ዝነብሩ ተወላዶ ዓደብዛገ – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ኣወሃሂዶም፡ ካብ ዓዲ-ባሮ ናብ ዓዶም ዝኣቱ 2 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ይጽግኑ ኣለዉ።

እቲ ስራሕ ብማሽነሪ ዝተደገፈ ምዃኑ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዓደብዛገ፡ ኣቶ ገብረሂወት ገረዝግሄር፡ ኣብ’ቲ መስመር ዝርከባ ዓድታት ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክወስዳ ኣዘኻኺሩ።

ነበርቲ፡ ነቲ ናይ ጽገና መደብ – ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምዝዛሙ ብኣድማዕነት ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ዓደብዛገ፡ ካብ ድባርዋ ኣስታት 13 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ትርከብ።

Categories