ኣብ ትሕቲ ኮርፖሬሽን ዘራእትን ጥሪትን ዝመሓደር ፕሮጀክትታት ሕርሻ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ መስኖኣዊ ሕርሻን ምስሳን ሃብቲ እንስሳን ዘሰላስሎ ዘሎ ንጥፈታት ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ኣካየድትን ሰራሕተኛታትን ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ገርሰት፡ ፌስኮ፡ ዓድ-ዑመር፡ ዓሊግድር፡ ከባቢ ከታይ፡ ፋንኮ-ራዊን ተሰነይን ዝካየድ ዘሎ መስኖኣውን ክረምታውን ሕርሻታት፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ንርሑቕ ዝጠመተ መደባቱ – ኣሕምልቲ፡ ፍረታትን ኣእካልን ብምልማዕ ኣብ ምምላእ ጠለብ ዕዳጋታት ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ፡ ሓላፊ’ቲ ፕሮጀክትታት ኣቶ ሓይለዝጊ ሃብተ ገሊጹ።

ምሩጻት ናይ ጸባን ስጋን ጥሪት ንምስሳን ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ’ውን ኣተባባዒ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ሓይለዝጊ፡ እቲ ፕሮጀክትታት፡ ነበርቲ ምስ ዘመናዊ ሕርሻ ክላለዩን ናይ ስራሕ ዕድል ክረኽቡን ከምዝሓገዘ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ፕሮጀክት ካብ ዝነጥፉ ሞያውያን መንእሰያትን ነበርቲን ድማ፡ ሞያኦም ብግብራዊ ስራሕ ዘማዕብሉሉን ሰሪሖም መነባብሮኦም ዝመርሑሉን ዕድል ከምዝረኸቡ ብምጥቃስ፡ በብወቕቱ ዝፈሪ ኣሕምልቲ እውን ዕዳጋታት ኣብ ምርግጋእ ኣስተዋጽኦ ይገብር ምህላዉ ገሊጾም።

Categories