ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ኣብ ዓድታት ዳዕሮ ጳውሎስ፡ ምስጓግን ዓደባዀኻይን፡ ኣብ ማይ-ክዖታት ዲጋ ማይነፍሒ ናይ ምዝላይ ወፈራታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ማእከል ሓላፊት ኣሃዱ ልምዓት ዓሳ ኣብ ጥዑም ማይ ወይዘሮ ሩታ ሰለሙንን ሓላፊ ኣሃዱ ምቁጽጻር ብቕዓት ዓሳ ኣቶ ተስፋስላሴ ኣርኣያን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ንጥፈታት መቐጸልታ ናይ’ቲ ካብ 2018 ኣትሒዙ ዓመታዊ ብነበርቲ’ት ከባቢ ዝካየድ ተመሳሳሊ ስራሕ ምዃኑ ገሊጾም።

ዕላማኡ፡ ዲጋታት ካብ ድበት ብምክልኻል ዝተዘርኡ ዓሳታት ብግቡእ ከምዝፋረዩ ንምግባር ምዃኑ ብምሕባር ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ 17 መዓልታት 54 ኪሎ-ሜትር ዛላታት ከምእተሰርሐ ሓቢሮም።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ ጋላነፍሒ ክኢላ ምግራብ ኣቶ ተስፎም መስፍን፡ ኣብ ቀጻሊ ፈልሲታት ኣግራብ ክትከለሉ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ማይ-ክዖታት ዲጋ ዓዲ-ሻኻ እውን፡ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

Categories