ቤት-ጽሕፈት ሕግን ስርዓትን ዞባ ማእከል፡ ንስግኣት ኮሮና ቫይረስ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተራእየ ናህሪ ዋጋታት ኣብ መሰረታውያን ሃለኽቲ ንምግታእ፡ ስጉምቲ ክወስድ ጀሚሩ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኮሎኔል ተስፋሚካኤል ተስፋጽዮን ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብመሰረት’ቲ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዳስትርን ን‘ኣዋጅ ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ ቊ.125/2002’ ምርኲስ ገይሩ ብ21 መጋቢት ዘውጸኦ እዋናዊ ሓበሬታ፡ ኣባላቱ ናብ ዝተፈላለየ ዕዳጋታት ኣስመራ ኣዋፊሩ ናይ ምቁጽጻር ስራሓት ከምዘካየደ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዘይሕጋውን ዘይሞራላውን ወሰኽ ዋጋታት ዝገበሩ ድማ – ከከም ክብደት ዝፈጸምዎ ጥሕሰት ሕጊ፡ መቕጻዕቲ ከምዝበየነ ገሊጹ።

እቲ ብገለ ስሱዓትን ስነ-ምግባር ዝጎደሎምን ነጋዶ ኣብ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ዝተገብረ ዘይምኽኑይ ወሰኽ ዋጋታት፡ ኣብ ጥረታት፡ ኣእካል፡ በርበረ፡ ሽኮር፡ ዘይቲ፡ ናይ ጽሬት ናውትን ካልኦት ሃለኽቲን ምዃኑ ዝሓበረ ኮሎኔል ተስፋሚካኤል፡ እዚ ኣብ ህዝቢ ተጽዕኖ ፈጢሩ ስለዝጸንሐ፡ ህጹጽ ስጒምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ኮይኑ ከምእተረኽበ ኣረዲኡ።

ካብ’ቲ እዋናዊ ሓበሬታ ክፍሊ ውሽጣዊ ንግዲ ዝወጽኣሉ ዕለት ጀሚሮም፡ ኣብ ዕዳጋታት ብዝገበርዎ ተፍትሽ፡ ካብ 70 ክሳብ 80 ዝበጽሓ ትካላት ከም እተታሕዛን መቕጻዕቲ ከም እተበየነለንን፡ ኮሎኔል ተስፋሚካኤል ተስፋጽዮን ሓቢሩ።

እቲ ኣብ’ተን ቅድሚ 20 ለካቲት 2020 ኣብ ዝነበረ ዋጋታት ወሲኸን ዝሸጣ፡ እንከለወን የብልናን ዝበላ ወይ ንብረት ዝሓብኣ ትካላት ዝተወስደ ስጒምቲ፡ ካብ 3 ሽሕ ክሳብ 25 ሽሕ ናቕፋ ዝበጽሕ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ክሳብ ምዕሻግ ትካል ዝበጽሕ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዜጋታት ኣብ ዕዳጋታት ንዘጋጥሞም ዝተጋነነ ወሰኽ ዋጋታት፡ ደዊሎም ክሕብሩ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ዘይሓላፍነታውያን ነጋዶ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምትታት፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓያሎ ሃገራት፡ ምስ ስግኣት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብምትእስሳር ወሰኽ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩን ናይ ምኽዛንን ምሕባእን ስጒምቲ ዝወሰዱን ነጋዶ፡ ካብ ምዕሻግ ክሳብ ምስራዝ ፍቓድ ንግዲ ዝኸይድ ስጒምቲ ይወስዳ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

Categories