ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡሳን ዞባታት መንሱራን ሃይኮታን፡ ኣብ ኮማዊ ኣተኣላልያ ስንኩላን፡ ኣረጋውያንን ጽጉማት ወገናትን ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ተስፋገብርኤል ገብረስላሴ፡ ንኣባለት ሽማግለ ኮም ዝሰረቱ ተሃድሶን ምዕባለን ኣብ ዓድታትን ምምሕዳራት ከባቢን ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ፡ ሕብረተ-ሰብ ኣብ መንጎኡ ዝርከቡ ስንኩላን፡ ኣረጋውያንን ካልእ ጸገማት ዘለዎምን ዜጋታት ኣለልዩ፡ ንምሕጋዞም ክገብሮ ኣብ ዝግባእ መብርሂ ሂቡ።

እቲ መደብ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ስንኩላን ጥራይ ዘተኰረ ብምንባሩ፡ ኣረጋውያንን ካልኦት ጽጉማትን ግዳይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም ክኾኑ ምጽንሖም ዝጠቐሳ ሞያውያን ናይ’ቲ ዓውዲ ብወገነን፡ ክሳብ ዓድታት ዝወርድ ኣወዳድባ ብምሓዝ፡ ስንኩላንን ኣረጋውያንን ጽጉማትን ብዓቕሞምን ዝንባለኦምን ዝሰርሑሉን ዝሕገዙሉን ዕድል ዝፈጥር ብምዃኑ፡ ሽማግለታት ኮማዊ ተሃድሶን ልምዓትን ብዕቱብ ክሰርሓሉ ኣተሓሳሲበን።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኣቶ ሸኸዲን ሳልሕ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ነፍሲወከፍ ዜጋ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ሓገዝ ዘድልዮም ብምልላይ ጭቡጥ ሓበሬታ ክህብን፡ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ክገብርን ኣዘኻኺሩ።

Categories