ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ተመሃሮ 17 መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተሳተፍዎ ፈስቲቫል፡ ብ21 መጋቢት ተኻዪዱ።

እቲ “ኣብያተ-ትምህርትና መሰረት ኩሉ ምዕባለና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ፈስቲቫል፡ ኣብ ባህሊ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ ክትዕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ስፖርት ዘተኰረ ውድድራት ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣብቲ ፈስቲቫል ዝተሳተፋ ኣብያተትምህርቲ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ጀሚሩ ብደረጃ ክፍሊን ኣብያተትምህርቲን ክግበር ኣብ ዝጸንሐ ውድድራት ጸብለልታ ዘርኣያ ምዃነን፡ ሓላፊ ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ መምህር ኣማኑኤል መልኣከ ገሊጹ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር በየነ ተስፋይ፡ ዕላማ’ቲ ፈስቲቫል፡ ተመሃሮ ብኣካልን ኣእምሮን ተሃኒጾም፡ ተውህቦኦም፡ ዝንባለኦምን መንነቶምን ዘለልዩሉ፡ ከምኡ’ውን ፍልጠቶምን ሓድነቶምን ዝያዳ ዘሐይሉሉ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ክምዕብላን ብሉጻት ክኾናን ዝያዳ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ውድድራት ንዝተዓወታ ኣብያተትምህርቲ ሽልማት ተዓዲሉ።

Categories