ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኣገዳስነት ኮም ዝመርሖ መደባት ጽሬት ብምብራኹ፡ ተርእዮ ብሰንኪ ጉድለት ጽሬት ዝስዕቡ ሕማማት እናነከየ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ሞያውያን ጥዕና ገሊጾም።

ዳይረክተር ሆስፒታል ኣቑርደት ዶክተር ወልዱ ዮውሃንስ፡ መደባት ውልቃውን ከባብያውን ጽሬት ብግቡእ ምስ ዝትግበሩ፡ ዝበዝሑ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ክግትኡ ከምዝኽእሉ ብምጥቃስ፡ ዜጋታት ብዝለዓለ ክደፍኡሉ ጸዊዑ።

ሓላፊ ከባብያዊ ጥዕና ኣብቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ዳኒኤል ኪዳነ ብወገኑ፡ ብዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ካብ 102 ዓድታት ድሮ እተን 43 ተጠቀምቲ ዓይኒ-ምድሪ ክኾና ከምዝበቕዓ ብምሕባር፡ ዝተረፋ ብዝቐልጠፈ ኣሰረን ክስዕባ ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories