ሓረስቶት ምምሕዳር ከባቢ መትከል ኣቤት – ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ካብ ከበሳ ዝወርድ ወሓይዝ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል፡ ዓግማትን ጀሪፋትን ናይ ምጽጋን ወፈራታት የሰላስሉ ኣለዉ።

እቶም ሓረስቶት፡ ዝሓለፈ ዓመት ብዝወረደ ብርቱዕ ውሕጅ ዝተሰብረ ዓግምን ጀሪፍን ንምፍዋስ፡ 80 ጽምዲ ኣብዑርን ልዕሊ 100 ጉልበት-ሰብን ብምውፋር ይነጥፉ ከምዘለዉ ገሊጾም። ናይ ማሽነሪ ሓገዝ ክግበረሎም ድማ ሓቲቶም ኣለዉ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢኦም ብናይ ከበሳ ውሕጅ ዝሰቲ 950 ሄክታር መሬት ከምዘሎ፡ ዛጊት ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ ግን፡ 450 ሄክታር ጥራይ ምዃኑ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ መትከልኣቤት ኣቶ ዑስማን መሓመድ-ዓሊ፡ ነቲ ዝተረፈ 500 ሄክታር ክጥቀሙሉ ምእንቲ፡ ክኢላዊ ሓገዝ መሃንድሳት ከምዘድልዮም ኣገንዚቡ።

ብሕርሻን መጓሰን ዝናበራ 670 ስድራ-ቤታት ዝቕመጣኣ ምምሕዳር ከባቢ መትከል-ኣቤት፡ መደበር ጥዕናን ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤትትምህርትን ኣለዋ።

Categories